ጠቕላላ ጽማቚ ምጥራዝ ኤርትራውያን ካብ ሱዳን

                                                    

                                                                                                           8 – 7 – 2016

ጠቕላላ ጽማቚ ምጥራዝ ኤርትራውያን ካብ ሱዳን    

 

80 ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 120 ስደተኛታት 22 ሰዓታት ካብ ካርቱም ድሕሪ ምጒዓዞም ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብዕለት 23/07/2016 ተታሒዞም ናብ ካርቱም ድሕሪ ምምላሶም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኦምዱርማን ተዳጒኖም ከምዘለዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን ንወኪል ስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኦምዱርማን ብጀካዞም 36 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብዎም 80 ኤርትራውያን ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ዶብ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ካርቱም ዝተመልሱ ሓዊስካ 367 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኦምዱርማን ከምዘለዉ ብድጋሚ ሓቢሩ።

እቲ በዓል ስልጣን ዘረብኡ ብምቕጻል፣ መንግስቲ ኤርትራን ሱዳንን ብዛዕባ ምዕጋት ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ተመያይጦም ሱዳን ናይ ንኤሪትራውያን ናብ ሃገሮም ንኽጥርዝዎም ሓባራዊ ዉዕል ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓድሽ ዉዕል ተፈራሪሞም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ብመሰረት ዉዕል’ዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራሕ ኣስታት 730 ካብ ካርቱም፣ 460 ካብ ምምሕዳር ዞባ ከሰላ፣ 60 ድማ ካብ ፖርት-ሱዳን፣ ኮይኖም ብምሉኦም ናብ ኤርትራ ከምዝተጠረዙ እቲ ዝመጸና ሓብሬታ ኣረጋጊጹ።

እቲ በዓል ስልጣን ከምዝበሎ፡ ኤርትራውያን ሕጋዊ ቀጥዕታት ናይ ስደተኛ ከየማልኡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ከያተዉ ፣ብቐጥታ ናብ ካርቱም ብምሕላፍ ምስ ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰባት ናብ ሊብያን፡ግብጽን ንኽሓልፉ ብዝገብርዎ ስምምዕ ሱዳን ከም መሰጋገሪ ይጥቀሙላ ኣለዉ። ስለዚ ንኹሉ ሕጋዊ ቀጥዕታት ስደተኛ ኣማሊኡ ዘይከይድ ኤርትራዊ እቲ ምጥራዝ ኩሉ ግዜ ቀጻሊ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ዜናን ባህልን፣ ስሙር ደሞክርሲያዊ ግንባር ኤርትራ www.EriFront.com  E-mail: uedf2012@gmail.com

 

Summary-of-deportation-of-Eritreans-from-Sudan.gif


Be the first to comment

Please check your e-mail for a link to activate your account.

Take Action


Upcoming Events

View all Events

Leaderboard

1
+938sc earned social capital
1
+938sc earned social capital

Poll

What type of movement would be more effective in Eritrea?